Welcome to EXSCAPE

ውዕልን ቅጥዕታትን

እዚ ውዕልን ቅጥዕታትን (“ውዕልታት”) ንመእተውን ኣጠቓቕማን ናይ መርበብ ሓበሬታ https://exscape.et/ti ፣ ናይ ሜታቨርስ ፀወታን ማሕበራዊ መራኸቢታት ፕላትፎርምና (“Exscape” ወይ እቲ “ፕላትፎርም”) ከምኡ’ውን ዝኾነ ካልእ ተዛማዲ ፍርያት ወይ ግልጋሎታትና ናይ ሞባይል መተግበሪና (እቶም “ግልጋሎታትና “) ሓዊሱ ብዲቢኣር (DBR) ቴክኖሎጂ ሓ/ዝ/ው/ት (“DBR”፣ “ንሕና”፣ “ናይና”፣ “ንሕና”) ዝቐረበ ኮይኑ፡ ብመሰረት ሕግታትን ስርዓታትን ናይ ኢትዮጵያ። ነቲ ፕላትፎርም ወይ ግልጋሎታትና ብምእታው ወይ ብምጥቃም፡ ንሶም (“ተጠቃሚ”፣ “ንሶም”፣ “ናቶም”) ነዞም ውዕላት፡ ከምኡ’ውን ኩሎም ተግባራዊ ዝኾኑ ሕግታትን ስርዓታትን ከተግብሩ ተስማዕሚዖም አለው። ምስ ዝኾነ ክፋል ናይዚ ውዕላት እንተዘይሰማዕሚዖም፡ ነቲ ፕላትፎርምና ወይ ግልጋሎታትና ክጥቀሙ የብሎምን።

ንመወዳእታ ዝተመሓየሸሉ ግዜ፡ ጥሪ 2025

  1. መእተዊ

እዞም ውዕላት ኣብ መንጎ DBRን ንሶምን ብሕጋዊ መንገዲ ዘተኣሳስር ስምምዕ ይፈጥሩ። ናይቲ ፕላትፎርምና ወይ ግልጋሎታትና ኣጠቃቅማኦም ድማ በዚ ዝስዕብ ውዕላትን ቅጥዕታትን ይግዛእ። ዝተወሰኑ ክፋላት ግልጋሎታትና ወይ ድማ ፍሉያት ባሕሪ ዘለዎም ግልጋሎታትና እጥቀሙ ከለው ብተወሳኺ ውዕላትን ቅጥዕታትን ክመሓደሩ ይኽእሉ እዮም።

ነዚ ውዕሊ እዚ ብጥንቃቐ ከንብብዎን ቅድሚ እቲ ፕላትፎርምና ወይ ግልጋሎትና ምጥቃሞም ክቅበልዎን ኣለዎም።

  1. መንነትናን ብኸመይ መንገዲ ከምዝረከቡናን

ዲቢኣር (DBR) ብሕጊ ኢትዮጵያ ዝተመስረተን ዝተመዝገበን ትካል እዩ። ምስዚ ውዕሊን ወይ ግልጋሎታትናን ዝተተሓሐዘ ዝኾነ ይኹን ሕቶታት እንተሃልዩዎም፡ በይዘኦምም ብ support@exscape.et ይርኸቡና።

  1. ትርጉማት
    • “ተጠቃሚ” ዝኾነ ናብቲ ፕላትፎርምናን ግልጋሎታትናን ዝኣትውን ዝጥቀምን ሰብ ወይ ኣካል የመልክት።
    • “ግልጋሎታት ሳልሳይ ወገን” ማለት ብሳልሳይ ወገን ዝቀርቡ ግልጋሎታት ኮይኖም፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ፕላትፎርምና ብዘለዎ ምትእስሳር ወይ ውህደት ዝረኽብዎ ግልጋሎት እዩ።
  2. ምቕባል ነዞም ውዕልታት
    • ናብቲ ፕላትፎርምና ወይ ግልጋሎታትና ብምእታው ወይ ብምጥቃም፡ ነዚ ውዕሊ ከም ዘንበቡዎ፡ ከም ዝተረድእዎን ከም ዝተሰማማዑን ኣረጋጊፆም ማለት እዩ።
    • ናይቲ ፕላትፎርምና ወይ ግልጋሎታትና ኣጠቓቕማኦም ምስ ኩሉ ተግባራዊ ዝኾነ ሕግታትን ስርዓታትን ከም ተስማዕሚዑ ከም ዝከይድ ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ኣለዎም። ነዚ ውዕላት እዚ እንተዘይተስማዕሚዖምሉ፡ ንፕላትፎርምናን ነቅርቦም ግልጋሎታትን ምጥቃም ከቋርፁ ኣለዎም።
    • ብካልኦት ተወሰክቲ ውዕሊታት ዝምርሑ ዝተወሰኑ ክፋላት ናይቲ ፕላትፎርምና ወይ ግልጋሎታትና እንተረኪቦም፡ እቶም ተወሰክቲ ውዕሊታት ኣብዚ ውዕሊ ክሕወሱ እዮም። ዝኾነ ይኹን ናይ ውዕሊ ዘይምስናይ እንተጋጢሙ፡ እቶም ተወሰክቲ ውዕሊታት ንፍሉያት ክፋላት ናይቲ ዝመሓደርዎ ፕላትፎርም ወይ ግልጋሎታት ዝምልከት ብቀዳምነት ቀሪቦም የመሓድሩ።
  3. መመዘኒ ረቁሓታት
    • ናብቲ ፕላትፎርምናን ግልጋሎትናን ንክኣትዉን ክጥቀሙሉን እንተወሓደ ዕድመኦም 13 ዓመት ክኸውን ኣለዎ። ግላጋሎትና ብምጥቃም፡ ነዚ ረቛሒ ከም ዘማልኡ ኣረጋጊፆም ማለት እዩ።
    • ዝተወሰኑ ግልጋሎታትና ወይ ባህርያቶም ተወሳኺ ናይ ብቕዓት ረቛሒታት ክደልዩ ይኽእሉ እዮም። ብከም ቤት ፅሕፈት ቁፅፅር ንዋይ ወፃኢ (OFAC)ን ሓይሊ ዕማም ፋይናንሳዊ ስጉምቲ (FATF)ን ዝኣመሰሉ ዓለም ለከ ስልጣን ዘለዎም ትካላት ዝተገብረ እገዳ ሓዊሱ ንግልጋሎታትና ምጥቃሞም ዝኾነ ይኹን ተግባራቶም ሕጊ ከምዘይጥሕስ ናይ ምርግጋፅ ውልቃዊ ሓላፍነት ኣለዎም።
    • ዲቢኣር (DBR) ፡ ብOFAC, FATF, ወይ ካልኦት ተቖፃፀርቲ ኣካላት ኣብ ዝተገደበ ዝርዝር ንዘለዉ ውልቀሰባት ወይ ኣካላት፡ ነቲ ግልጋሎታትና ናይ ምኽልካል መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
  4. ናይ ኣካውንት ምዝገባን ናይ ተጠቃሚ ሓላፍነትን፤
    • ዝተወሰኑ ፍሉይ ባህሪ ዘለዎም ናይቲ ፕላትፎርምና ግጋሎታት ንምጥቃም፡ ኣብቲ ፕላትፎርምና ኣካውንት ክከፍቱ ክግደዱ ይክእሉ እዮም። ኣብ እዋን ምዝገባ ትክክለኛ፣ እዋናውን ምሉእን ሓበሬታ ክህቡ ድማ ይሰማምዑ።
    • ምስጢራዊነት ናይ ኣካውቶም መረጋገፂታቶምን ኩሉ ብኣካውንቶም ኣቢሉ ኣብቲ ፕላትፎርምና ዝፍፀም ንጥፈታትን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎም። ብዘይፍቓዶም ናብ ኣካውንቶም ክምዝተኣተወ ወይ ካሊእ ከምዝጥቀሞ ዘሎ እንተጠርጢሮም ብቕልጡፍ ከፍልጡና ኣለዎም።
  5. ግልጋሎትን ክፍሊታትን
    • ድሕሪ ናይ 3 መዓልቲ ናይ ፈተነ ግዜ እቲ ምዝገባ ብቀጥታ ናብ 10 ቅርሺ ኣብ መዓልቲ ንመዓልታዊ ትልሚ፣ 60 ቅርሺ ንሰሙናዊ ትልሚን 220 ቅርሺ ንወርሓዊ ትልሚን በቢመጠኑ ክቅየር እዩ። እቲ ክፍሊት ንኹሎም ፀወታታት ንምእታው ይፈቅድ እዩ። ናይ ክፍሊት ብመንገዲ ኢትዮ ቴሌኮም ዝካየድ ኮይኑ፡ ተጠቀምቲ STOP E ኢሎም ፅሒፎም ናብ 963 ብምልኣኽ ካብ ምዝገባ ክወፁ ይኽእሉ እዮም
    • ነቲ ፕላትፎርምናን ግልጋሎታትናን ንምጥቃም ዲቢኣር (DBR) ብዝተፈላለዩ ትልሚታት ምዝገባ፤ መዓልታዊ፣ ሰሙናዊን ወርሓውን ኣማራፂታት (“ናይ ምዝገባ ክፍሊታትት”) ሓዊሱ የቅርብ እዩ። እቲ ፕላትፎርም ንኣጋይሽ ዝኸውን መእተዊን ብነፃ ምእታው እውን የቕርብ፣ እዚኦም ብነፃ ዝቐርቡ ኮይኖም ግን ብመሰረት እዚ ውዕሊ ምስ ናይ ትልሚታት ምዝገባ ክነፃፀሩ ከለዉ ውሱን ተግባር ክህልዎም ይኽእል።
    • ዝምልከቶም ውዕሊታትን ናይ ክፍሊት ግዴታታትን ሓዊሱ ናይ ምዝገባ ትልሚታት ናይ ምዝገባ ክፍሊት ኣብቲ ፕላትፎርምና ብግልፂ ክቅመጥ እዩ። ኣብ ዝኾነ ትልሚ ብምምዝጋብ፡ ምስቲ ዝተመርፀ ምዝገባ ዝተኣሳሰር ክፍሊታትን ተግባራዊ ዝከውን ምንም ዓይነት ግብሪን ክከፍኩ ተስማዕሚዖም።
    • ዲቢኣር (DBR) ኣብ ዝኾነ እዋን ናይ ምዝገባ ክፍሊትን ካልእ ክፍሊታትን ናይ ምቕያር መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። ዝኾነ ይኹን ናይ ክፍሊት ለውጢ ናብቲ ፕላትፎርምና ምስ ተለጠፈ ብቀጥታ ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ ድሕሪ ምልጣፍ ንነባርን ሓድሽን ምዝገባታት እውን ተግባራዊ ይከውን።
    • ዲቢኣር (DBR) ኣብ መፃኢ ግዜታት ከም ኣብ ውሽጢ ኣፕ ዝግበር ዕድጊት( in-app purchases)ን ናይ ምፍላጥ (advertisements) ዝማሳሰሉ ተወሰክቲ ግልጋሎታት ናይ ምትእትታው መሰሉ ዝተሓለወ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ዝተፈለየ ክፍሊት ከስዕብ ይኽእል። ዝኾነ ሓድሽ ክፍሊት ቅድሚ ምስ ከምዚ ዝበለ ግልጋሎት ምጥቃሞም ኣብቲ ፕላትፎርምና ብግልፂ ክቅመጥ እዩ።
    • ድሕሪ ዝኾነ ናይ ክፍሊት ለውጢ ወይ ምምሕያሻት ኣብ ፕላትፎርምና ምልጣፍ እቲ ፕላትፎርምናን ግልጋሎታቱን እናተጠቀሙ እንተቀፂሎም ነቲ ዝተመሓየሸ ክፍሊት ወይ ክፍሊታት ከም ዝተቐበልዎ ይሕብር። ነቲ ለውጢ እንተዘይተስማዕሚዖምሉ፤ ፕላትፎርምናን ግልጋሎታቱን ምጥቃም ከቋርፅዎ ኣለዎም።
    • ተጠቀምቲ ንዝኾነ ብሳልሳይ ወገን ዝካየድ ንፋይናንሳዊ ትካላት ዝኽፈል ናይ ስራሕ መካየዲ ወይ ትራንዛክሽን ክፍሊትን ካልኦትን ባዕሎም ሓላፍነት ይወስዱን ይከፍሉን።
  6. ኣተሓሕዛ ነጥቢ
    • ስኬፕ ኣብ ውሽጢ እቲ ፕላትፎርምኡ ነጥቢ ናይ ምእካብ መስርሕ ንክህልው ብምግባር ተሳትፎ ተጠቃሚ ንምዕባይን ንጡፋት ተሳተፍቲ ንምሽላምን ኣዳልዩ እዩ። ተጠቀምቲ ነቲ ነጥቢ ኣብቲ ፕላትፎርም ዝተፈላለዩ ፀወታታት ብምፅዋት ይረኽብዎ። ብዝሒ ዝወሃብ ነጥቢ ከከም ፀወታን ብቕዓትን ክፈላለ ይኽእል እዩ።
    • ደረጃታትን ሽልማታትን፡
      • ሰሙናዊ ደረጃ፦ ኣብ ሓደ ፀወታ ብሉፃት 5 (ሓሙሽተ) ተፃወትቲ ብመሰረት ብቕዓቶምን ዝረኸብዎ ነጥብን ደረጃ ክወሃቦም እዩ፣
      • ወርሓዊ ተዓወትቲ: ኣብ ሕድሕድ ወርሒ መወዳእታ ካብ ኩሉ ፀወታታት ብሉፃት 3 (ሰለስተ) ተፃወትቲ ኣፍልጦ ይወሃቦምን
      • ዕጫ ርብዒ ዓመት: ስኬፕ እንተደልዩ ፍሉይ ዕጫ ብምክያድ ንተሳተፍቲ ተወሳኺ ሽልማት ክህብ ይኽእል እዩ። እዚ ዕጫ ፕሮግራም ውሕስነት ከምዘይብሉን ኣብ ኩሉ እቲ ፕላትፎርምና ኣብ ዘለው ናይ መሸጣ ቦታታት ክካየድ ከምዘይክእልን የስተውዕሉ። ዝርዝር ናይ ዝኾነ ከምዚ ዝበለ ዕጫ እንተተፈጢሩን መዓስን ከምዝካየድ ኣብ ፕላትፎርምና ክግለጽ እዩ።
    • ወርሓዊ ተዓወትቲ ነጥቦም ብስኬፕ ብዝተወሰነ መቀየሪ መጠን ናብ ህያብ ክቕይርዎ ይኽእሉ። እቲ ናይ መቀየሪ መጠን ብናይ ስኬፕ ድሌት ክለዋወጥ ይኽእል እዩ።
    • ነጥብታት ተወሰክቲ ነገራት ንምኽፋት፡ ናብ ፍሉይ ትሕዝቶ ንምእታው፡ ወይ ኣብ ውሽጢ እቲ ፕላትፎርም ዝርከቡ ምናባዊ ነገራት ንምምላእ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።
    • ነጥቢ ገንዘባዊ ዋጋ ስለዘይብሉ ካብቲ ፕላትፎርምና ወፃኢ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብኻልእ ዓይነት ባጤራ ክቕየር ኣይክእልን።
    • ስኬፕ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣቐዲሙ ከየፍለጠ ነቲ ናይ ነጥቢ ስርዓት ናይ ምቕያር፣ ናይ ምእጋድ ወይ ናይ ምቁራፅ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
    • ዝኾነ ይኹን ነቲ ናይ ነጥቢ ስርዓት ንምትላል ወይ ንምጥሓስ ዝግበር ከም ብዙሓት ኣካውንታት ምፍጣርን ነጥቢ ንምርካብ ኣውቶማቲክ ኣገባብ ምጥቃም ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ውን ሓዊስካ ዝግበር ፈተነ፤ ብጥብቂ ክልኩል ኮይኑ ውፅኢቱ ድማ ምስቲ ፕላትፎርም ዘሎ ኣካውንቶም ምእጋድ ወይ ምዕፃው ክኸውን ይኽእል እዩ።
    • ብድልየት ተጠቃሚ ይኹን ስኬፕ ኣካውንት ኣብ ዝዕፀወሉ እዋን፡ ኩሎም ዝተዋህለሉ ነጥብታት ክውሰዱን ክምለሱ ወይ ክሰጋገሩን ኣይክእሉን እዮም።
    • ኣብቲ ናይ ነጥቢ ስርዓት ብምስታፎም፤ ነዞም ሕግታትን ኣብ ካሊእ ግዜ ኣብቲ ፕላትፎርም ነምፅኦም ምምሕያሻት ስርዓታትን ከክብሩ ተስማዕሚዖም ኣለው።
  1. ግልጋሎታት ማሕበራዊ ርክብ
    • ስኬፕ ኣብ ውሽጢ እቲ መተግበሪ (እቲ “ማሕበራዊ ማእከል/ Social Hub “) ተጠቀምቲ ብከም ርእይቶታት ምልጣፍ፣ ትሕዝቶ ምፍታው፣ ልጥፋት ሼር ምግባርን ምስ ካልኦት ተጠቀምቲ ምርካብን ዝኣመሰሉ ባህርያት ዝሓዘ ማሕበራዊ መራኸቢ ማእከል የቅርብ። ነቲ ማሕበራዊ ማእከል ብምጥቃም፡ ነዞም ውዕልታትን ብዝምልከቶም ዝተሓወሱ መምርሒታት ማሕበረሰብን ከክብሩ ተስማዕሚዖም ኣለው።
    • ተጠቀምቲ ከምዞም ዝስዕብ ዝበሉ ትሕዝቶታት ምልጣፍ፣ ሼር ምግባር ወይ ምዝርጋሕ ብጥብቂ ክልኩል እዩ፡
      • ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ ብዓሌት፣ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ፆታ፣ ፆታዊ ዝንባለ፣ ኣካል ጉድኣት፣ ወይ ካልእ ዝተሓለወ ባህርያት መሰረት ናይ ፅልኢ ዘረባ፣ ኣድልዎ፣ ወይ ዓመፅ ዘስፋሕፍሕ፤
      • ናይ ምግፋዕ፡ ምፍርራሕ ወይ ናይ ምፅራፍ ቃላት ወይ ምስሊ ዝሓዘ፤
      • ተግባራዊ ክኮኑ ዘለዎም ሕግታት፣ ስርዓታት፣ ወይ ናይ ሳልሳይ ወገን መሰላት (ኣእምሮኣዊ ንብረት፣ ብሕታዊነት፣ ወይ ናይ ምልላይ መሰላት ሓዊሱ) ዝጥሕስ፤
      • ንኻልኦት ንምትላል ወይ ንምዝባዕ ዝዓለመ ናይ ሓሶት ወይ ምድንጋር ሓበሬታ፤
      • ፆታዊ ርክብ ዝገልፅ ነገር፣ ናይ ፆታዊ ርክብ ቪድዮታት ወይ ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝጎድእ ትሕዝቶ ዘጠቓልል ነገራት ምዝርጋሕ፣
      • ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ወይ ንበዓልካ ምጉዳእ ዘተባብዕ ወይ ዘመቻችውን ነገር፣
      • ብኻልእ መገዲ ዘይግቡእ፣ ፀያፍ ወይ ምስ መምርሒታት ሕብረተሰብና ዘይከድ
    • ስኬፕ ምስዞም ውዕልታትን መምርሒታት ማሕበረሰብን ምትእስሳር ንምርግጋፅ ብተጠቀምቲ ዝፍጠር ትሕዝቶ ኣማእኪሉ ናይ ምስራሕ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። እቲ ፕላትፎርም ከም ኣድላይነቱ እዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ክወስድ ይኽእል እዩ፡
      • ነዚ ውዕላት፣ መምርሒታት ማሕበረሰብ፣ ወይ ተግባራዊ ሕግታት ዝጥሕስ ትሕዝቶ ምእላይ ወይ ምድራት፣
      • ንንኣሽቱ ጥሕሰታት መጠንቀቕታ ምሃብ፣
      • ብተደጋጋሚ ወይ ርኡይ ጥሕሰት ዝፈፀመ ናይ ተጠቃሚ ኣካውንት ንግዚኡ ምእጋድን
      • እቲ ተጠቃሚ መዓልቱ ዘይሓለፈ ምዝገባ ዋላ እንተሃለዎ፡ ኸቢድ ወይ ተደጋጋሚ ጥሕሰት ናይዚ ውዕሊታት እንተሃልዩዎ ካብ ፕላትፎርም ንሓዋሩ ምእጋድ።
    • ስኬፕ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዘለዎ ናይ ጥሕሰት ኣተኣላልያ ይኽተል፡
      • ቀዳማይ ጥሕሰት: እቲ ዘሕርቕ ትሕዝቶ ይለዓል፣ ተጠቃሚ ድማ መጠንቀቕታ ይረክብ።
      • ካልኣይ ጥሕሰት፦ ኣካውንት ተጠቃሚ ንግዚኡ ክእገድ ይኽእል።
      • ተደጋጋሚ ወይ ከቢድ ጥሕሰት: ኣካውንት ተጠቃሚ ዝኾነ ይኹን ዝምለስ ክፍሊት ዋላ ይሃልዮ ብዘይ መሰል ንሓዋሩ ክእገድ ይኽእል።
    • ተጠቀምቲ ንውሳነታት ምእላይ ትሕዝቶ ወይ ምቁራጽ ኣካውንት ብ support@exscape.et ብምእታው ይግባይ ክብሉ ይኽእሉ። እቲ ይግባይ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ካብ ዝንገረሉ ኣብ ውሽጢ 7 (ሸውዓተ) መዓልታት ክቐርብ ኣለዎ። ስኬፕ ንኹሉ ይግባይ ብቕልጡፍ ክምርምሮን ንተጠቀምቲ ብዛዕባ ውፅኢት ከፍልጥን እዩ።
    • ስኬፕ ንተጠቀምቲ ብዛዕባ ቅቡል ባህርያትን ደረጃታት ትሕዝቶን ንምምሃር ናይ ማሕበረሰብ መምርሒታት የውፅእ። እዞም መምርሒታት ኣብቲ ፕላትፎርም ዝርከቡ ኮይኖም በብእዋኑ ክመሓየሹ ይኽእሉ እዮም። ተጠቀምቲ ተገዛእነት ንምርግጋፅ ኩሉግዜ ክግምግምዎ ይተባብዑ።
    • ተጠቀምቲ ነዚ ውዕሊን ወይ ውሳነታት መምርሒታት ማሕበረሰብ ዝጥሕስ እዩ ኢሎም ዝኣመኑዎ ትሕዝቶ ብ support@exscape.et ብምእታው ክሕብሩና ይኽእሉ። ስኬፕ ንኹሉ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ይምርምሮን ከም ኣድላይነቱ ግቡእ ስጉምቲ ይወስድን።
    • ማሕበራዊ ማእከል (Social Hub) ብምጥቃም፡ ነዞም ዝስዕቡ ኣፍልጦ ይህቡን ይስማዕምዑን፤
      • ንዝለጠፍዎ፡ ሼር ዝገበርዎ ወይ ዝሳተፍሉ ትሕዝቶ ባዕሎም ሓላፍነት ይወስዱ፤
      • ብዝኾነ ይኹን ምጥሓስ ናይዚ ውዕሊ ወይ መምርሒታት ማሕበረሰብ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊፁ ዘሎ ትሕዝቶኦም ክለዓል ወይ ድማ ስጉምትታት ክውሰድ ይኽእል እዩ፤
      • ብምክንያት ዝፈፀምዎ ናይ ምትላልን ልክዕ ዘይኮን ትሕዝቶ ምቅራብ ጥሕሰትን ዘጋጥም ናይ ኣካውንት እገዳ ወይ ምዕፃው ምንም ዓይነት ናይ ካሕሳ ወይ ዝምለስ ገንዘብ ዝረክብዎ መሰል ኣይብሎምን።
    • ስኬፕ ውሑስን ጥጡሕ ሃዋህው ንምሕላው ክፅዕር እንከሎ፡ ብተጠቀምቲ ዝፍጠር ትሕዝቶ ዝፍጠር ትሕዝቶ ናይ ምክትታል ግዴታ የብሉን። ተጠቀምቲ፤ ስኬፕ ብኻልኦት ተጠቀምቲ ሼር ንዝግበር ትሕዝቶ ሓላፍነት ከምዘይወስድ ክፈልጡ ይግባእ።
  2. ስግኣታት
    • ተጠቀምቲ ናብቲ ፕላትፎርምን ግልጋሎታትን ብምእታው፡ ምስ ኣጠቓቕማ እቲ ፕላትፎርምን ግልጋሎታትን ዝተኣሳሰር ባህርያዊ ሓደጋታት ኣፍልጦ ሂቦም ይቕበሉ። ደረጅኡ ዝሓለወ ናይ ሲሰተም ንምቕራብን ድልዱል ስጉምትታት ድሕንነት ንምትግባርን ብትግሃት ንፅዕር። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዝተወሰኑ ጉዳያትን ሓደጋታትን ዘይተርፉ እዮም። ምስ ኣጠቓቕማኻ ፕላትፎርምና ወይ ግልጋሎትና ብዝተኣሳሰር ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ወይ ፀገማት እንተተፈጢሮም፤ ዝፍትሑሉ ግዜ ክፈላለ ይኽእል እዩ፣ ገለ ጉዳያት ድማ ከይተፈትሑ ክተርፉ ይኽእሉ። ነዚ ውዕሊ ብምስምማዕ፡ ዲቢኣር (DBR) ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓደጋታት ተሓታቲ ከምዘይኮነ ፈሊጦም ተቀቢሎም ኣለው።
    • ተጠቀምቲ ቅድሚ ነቲ ፕላትፎርምን ግልጋሎታቱን ምጥቃሞም ውዱኣት፣ ናብ ዝነበሮ ዘይምለስን ሒሳብ ተመላሲ ዘይግበረሎምን ከይድታትን ትራንዛክሽንን ናይ ምግምጋም ሓላፍነት ሓላፍነት ኣለዎም። እቲ ፕላትፎርምን ግልጋሎታቱን ብዝተራቐቐ ናይ ሳይበር-መጥቃዕቲ፡ ​​ምውሳኽ ንጥፈታት፡ ቫይረሳት ኮምፒተር፡ ከምኡ’ውን/ወይ ካልእ ስርሒታዊ ወይ ቴክኒካዊ ብድሆታት፡ ካልኦት ረቛሒታትን ክተኣጓጎል፡ ክዕንቀፍ ወይ ብኣሉታ ክፅሎ ይኽእል። ዲቢኣር (DBR) ንተጠቀምቲ ምስ ምእታውን ምጥቃምን ግልጋሎታትና ዝተኣሳሰር ክመፁ ዝኽእል ሓደጋታት ንምሕባር ዝኾነ ዓይነት ግዴታ ኣይብሉን። ተጠቀምቲ ነቲ ፕላትፎርምን ግልጋሎታቱን ብምጥቃም፡ ነዞም ሓደጋታት ኣፍልጦ ይህቡን ይቕበልዎን፡ ከምኡ’ውን ንዝኾነ ዘጋጥሞም ክሳራታት ንDBR ተሓታቲ ከይገብርዎ ይሰማምዑ።
  3. ኣእምሮኣዊ ንብረት
    • ኩሎም ኣብቲ ፕላትፎርምን ግልጋሎታቱን ዝርከቡ መሰላት ኣእምሮኣዊ ንብረት ብመሰላት ቅዳሕ፣ ምልክታት ንግዲ፡ መሰላት ዲዛይን፡ ፓተንትን ንግዳዊ ምስጢራትን ሓዊስካ ግን ብእኡ ጥራይ ከይተሓፀረ ናይቲ ፕላትፎርምን ግልጋሎታቱን ብዲቢኣር (DBR) ወይ በዓል ንግዲ ፍቃድ ይውነን። ንውልቃዊ፡ ዘይንግዳዊ ኣጠቓቕማ ጥራይ ክትጥቀመሉ ውሱን፡ ዘይፍሉይ፡ ዘይሰጋገርን ክስረዝ ዘክእል ፍቓድ ተዋሂቡዎም ኣሎ።
    • ናይ ዲቢኣር (DBR) ምልክታት ንግዲ፣ ኣርማታትን ብራንድ ምልክት (“ምልክታት”) ዋንነቶም ናይ ዲቢኣር (DBR) እዮም። ካብ ዲቢኣር (DBR) ዝተዋህበ ናይ ፅሑፍ ፍቓድ ቀዲሞም እንተዘይሒዞም ዝኾነ ምልክት ክጥቀሙ ኣይክእሉን።
    • ብዘይ ናይ ፅሑፋዊ ፍቓድና ንዝኾነ ክፋል ናይቲ ፕላትፎርምና ንንግዳዊ ዕላማታት ከባዝሑ፣ ክዝርግሑ፣ ክቅይሩ፡ ካብኡ ኣውፂኦም ስራሕ ክፈጥሩ ወይ ክጥቀሙሉ ኣይኽእሉን እዮም።
  4. ዝተኸልከሉ ንጥፈታት

ከም ቅድመ ኩነት ናይቲ ፕላትፎርምን ግልጋሎታቱን ምጥቃም፤ ተጠቀምቲ እዞም ዝስዕቡ ንከይገብሩ ይሰማምዑ፡

  • ነቲ ፕላትፎርም ወይ ግልጋሎታት ንዝኾነ ዘይሕጋዊ ዕላማታት ወይ ንዝኾነ ሕግታት ብምጥሓስ ምጥቃም፣
  • ቫይረስ፡ ትሮጃን፡ መትሎ፡ ሎጂክ ቦምብ፡ ወይ ካልእ ዝኾነ ጐዳኢ ወይ ብቴክኖሎጂ ዝጎድእ ነገር (ንኣብነት ግን ኣብዚ ጥራይ ዘይተሓፀረ መጥቃዕቲ ምኽልካል) ብፍላጥ ብምትእትታው፡ ንፕላትፎርምና ብዘይግቡእ ምጥቃም ወይ ምጥቃዕ፣
  • ኣብ ንፕላትፎርምና ወይ ኣብ ግልጋሎታትና ወይ ኣብ ዝኾነ ካልእ ዓይነት ማሕበራዊ መራኸቢታት ፕላትፎርም ወይ ናይ ውልቃዊ መርበብ ሓበሬታን፤ ሓሶት፣ ዘይቅኑዕ፣ ዘደናግር፣ ፀለመ፣ ዘይሕጋዊ፣ ምግፋዕ፣ ውልቃዊነት ዝግህስ፣ ፀርፊ፣ ምፍርራሕ፣ ጉድኣት ምብፃሕ፣ ዘፀይፍ፣ ወይ ካልእ ናይ ተቓውሞ ዘለዎ ትሕዝቶ ምልጣፍ።
  • ዝኾነ ብናቶም ዘይውነን ትሕዝቶ ናይቲ ፕላትፎርም ንመሰላት ካልእ ሰብ ብዝጥሕስ መንገዲ ምጥቃም፣ ምቕዳሕ፣ ምብዛሕ፣ ምቕያር፣ ምትርጓም፣ ምሕታም፣ ምፍናው፣ ምትሕልላፍ፣ ምዝርጋሕ፣ ምፍፃም፣ ምፅዓን፣ ምርኣይ፣ ፍቓድ ምሃብ፣ ምሻጥ፣ ወይ ብኻልእ መንገዲ ብምውሳድ መሰል ካልኦት ምግሃስ።
  • ካልእ ሰብ ወይ ኣካል መሲልካ ምቅራብ ወይ ምስ ዝኾነ ሰብ ወይ ኣካል ዘለካ ምትእስሳር ብጌጋ ምግላፅ።
  • ናብ ፕላትፎርምና፡ ናብቲ ፕላትፎርምና ዝኽዘነሉ ሰርቨር፡ ወይ ምስ ፕላትፎርምና ዝተኣሳሰር ዝኾነ ሰርቨር፡ ኮምፒተር ወይ ዳታቤዝ ብዘይፍቓድ ንምእታው ምፍታን።
  1. ብሕታዊነት መረዳእታ
    • ምእካብን ኣጠቓቕማን ውልቃዊ መረዳእታ በቲ ኣብ https://exscape.io/privacy.html ዝርከብ ፖሊሲ ​​ውልቃዊ ሓበሬታና ይምራሕ። ነቲ ፕላትፎርምና ወይ ነቲ ግልጋሎታትና ብምጥቃም፡ ብመሰረት ፖሊሲ ውልቃዊ መረዳእታ ሓበሬታኦም ክንእክቦ፡ ክንሰርሖን ክንጥቀመሉን ተስማዕሚዖም።
    • ዲቢኣር (DBR) ኣድላዪ ስጉምትታት ብምውሳድ መረዳእታኦም ይሕሉ፣ ነገር ግን ዘይተፈቕደሉ ሳልሳይ ወገን ንናይ ድሕነት ስጉምትታትና ክዕንቅፍ ከምዘይክእል ውሕስነት ክንህብ ኣይክእልን።
  2. ሳልሳይ ወገን ዘራክቡ መስመራትን ግልጋሎታትን
    • እቲ ፕላትፎርም ብዲቢኣር (DBR) ዘይውነኑ ወይ ዘይቆፃፀሮም ናብ ናይ ሳልሳይ ወገን መርበብ ሓበሬታታት ወይ ግልጋሎታት ዝወስዱ/ዘራክቡ መላግቦታት ክህልዎ ይኽእል። ዲቢኣር (DBR) ንትሕዝቶ፡ ፖሊሲታት ብሕታዊነት፡ ወይ ኣሰራርሓ ናይ ሳልሳይ ወገን መርበብ ሓበሬታታት ወይ ግልጋሎታት ሓላፍነት ኣይወስድን እዩ።
    • ዲቢኣር (DBR) ብዛዕባ ተኣማንነት ናይ ሳልሳይ ወገን ግልጋሎታት ዝኾነ ውክልና ወይ ውሕስነት ኣይህብን እዩ፣ ተጠቀምቲ ድማ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎታት ምጥቃሞም ናይ ሳልሳይ ወገን ውዕላትን ቅጥዕታትን ክምርምሩ ኣለዎም።
  3. ውሕስነት ዘይምውሳድ
    • እቲ ፕላትፎርምን ግልጋሎታትን ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ውሕስነት፣ ብሓሳብ ተገሊፁ ይኹን ብተግባር፣ ግን ድማ በዚ ዘይተሓፀረ ብተዘዋዋሪ ውሕስነት ናይ ትርፊ፣ ንፍሉይ ዕላማ ምሉእነት፣ ዘይምጥሓስ፣ ወይ ብሕጊ ወይ ካብ ስምመዕነት ዝፍጠሩ “ከምዘለዎ”ን “ከምዘሎን” ይወሃብ።
    • ዲቢኣር(DBR)፤ (i) እቲ ፕላትፎርም ብዘይ ምቁራፅ፣ ብውሑስንት፣ ወይ ኣብ ዝኾነ ፍሉይ ግዜ ወይ ቦታ ክሰርሕ፣ ወይ ካብ ጌጋ ነፃ ወይ ካብ ጎዳእቲ ኣካላት ነፃ እዩ ኢሉ ውሕስነት ኣይህብን፣ (ii) ዝኾነ ጌጋ ወይ ጉድለት እንተሃልዩ ክእረም እዩ፤ (iii) እቲ ፕላትፎርም ካብ ቫይረስ ወይ ካልኦት ጎዳእቲ ነገራት ነፃ ክከውን፣ (iv) ዝኾነ ይኹን ትሕዝቶን ሓበሬታን ውሑስ ክኸውን ወይ ብኻልእ መንገዲ ከምዘይጠፍእ ወይ ከምዘይበላሾ፣ (v) ካብ ኣጠቓቕማ እቶም ግልጋሎታት ክረኽብዎ ዝኽእሉ ውፅኢታት ቅኑዕ ወይ ዘተኣማምን ክኸውን፣ ወይ (vi) ነቲ ፕላትፎርም ብምጥቃሞም ከምዝተፀበዩዎ ከምዝደልዩዎን ዓይነት ውፅኢት ምርካብን ዝመሳሰሉ ነገራት ውሑሳት ኣይገብረሎምን እዩ። ሓደጋ ምጥፋእ ሓበሬታ ወይ ምቅላዕ ብሰንኪ ብልሽት ድሕንነት ወይ ስሕተት ሶፍትዌርን ካልኦትን ሓዊስካ ኩሎም ምስ ኣጠቓቕማ ናይቲ ፕላትፎርም ወይ ግልጋሎታት ዝተኣሳሰሩ ሓደጋታት ከምዘለው ምእማን ኣድላዪ እዩ።
  4. ልክዕነት ሓበሬታ
    • ዲቢኣር(DBR) ናይቲ ፕላትፎርም ልክዕነት፣ ባጤራን ካብ ስሕተት ነፃ ምዃኑን ንምርግጋፅ ይፅዕር፣ እንተኾነ ግን ካብ ቁፅፅሩ ወፃኢ ብዝኾነ ምኽንያታት ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ውድቀት ተሓታቲ ኣይከውንን። ዲቢኣር(DBR) እቲ ፕላትፎርም ንዝኾነ ፍሉይ ዕላማ ዝምችው ምዃኑ ውሕስነት ኣይህብን። ተጠቀምቲ ኣብቲ ፕላትፎርም ዝቐርብ ሓበሬታ ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ኣለዎም።
    • ዲቢኣር(DBR) ነቲ ፕላትፎርምን ግልጋሎትቱን መእተዊ ብድልየታቱ ናይ ምእጋድ ወይ ምዕፃው መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። ዝኾነ ኣብቲ ፕላትፎርም ዘሎ ትሕዝቶ ንሓፈሻዊ ሓበሬታ ዝዓለመ ጥራይ እዩ፣ ብዛዕባና፣ ፍርያትና፣ ዜናታትና፣ ባህርያትና፣ ግልጋሎታትናን ካልኦት ተገዳስነት ክህልዎም ዝኽእል ናይ ሳልሳይ ወገን ግልጋሎታትን ሓበሬታ ይህብ። ይኹን እምበር እዚ ትሕዝቶ ንፍሉይ ጠለባት ወይ ኩነታት ተጠቀምቲ ዝምጥንን ቴክኒካዊ፣ ፋይናንሳዊ፣ ሕጋዊ ምኽሪ ወይ ካልእ ዓይነት ምኽሪ ዝፈጥር ኣይኮነን። ንዝኾነ ዕላማ ክውከል የብሉን። ተጠቀምቲ ፕላትፎርምና፣ ትሕዝቶኡን ግልጋሎታቱን ክጥቀሙ ከለዉ ናፃ ፍርዶም ክህቡ ይግባእ።
    • ዲቢኣር(DBR) ነቲ ፕላትፎርም ግልጋሎታቱን ንተጠቀምቲ ንኽቐርብ ይፅዕር፣ እንተኾነ ግን ዘይተቛረጸ ግልጋሎት ወይ ቅኑዕ ህላወ ውሕስነት ኣይህብን።
  5. ደረት ተሓታትነት
    • ብሕጊ ብዝተፈቕደሉ ደረጃ፡ ዲቢኣር(DBR)ን ብኣጠቃቅማን ጉድለት ኣጠቃቅማን ምክንያት ዘጋጥም ቀጥታዊ፡ ዘይቀጥታዊ፡ ኣጋጣሚ፡ ሳዕቤናዊ፡ ወይ ፍሉይ ዕንወት፤ ንናይ መኽሰብ፡ ኣታዊ፡ ወይ መረዳእታ ክሳራ ምትእስሳራቱን፡ ሓለፍቲ፡ ዳይረክተራት፡ ሰራሕተኛታቱን ወከልቱን ሓዊሱ ዋላ’ውን ዲቢኣር(DBR) ብዛዕባ ተኽእሎ ከምዚ ዓይነት ዕንወት እንተተመኺሩ ተሓተትቲ ኣይኮኑን።
    • መልክዕ ስጉምቲ ፣ ብውዕል ይኹን፣ ብጥፍኣት (ሸለልትነት ሓዊሱ)፣ ብፅኑዕ ተሓታትነት ፍርያት ወይ ካልእ ምኽንያት ስጉምቲ ወይ ሕጋዊ ወይ ፍትሓዊ ኣካይዳ ብዘየገድስ ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ጠቕላላ ተሓታትነት ዲቢኣር(DBR) ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ 12 (ዓሰርተ ክልተ) ኣዋርሕ ንግልጋሎት ዝኸፈልዎ መጠን ገንዘብ (ኣብ ክፍሊት ምዝገባ ዝተገልፀ) ክሓልፍ የብሉን፣
    • ዲቢኣር(DBR) ንዝኾነ ዘይቀጥታዊ፣ ኣጋጣሚ፣ ፍሉይ፣ ሳዕቤናዊ፣ ወይ መቕፃዕታዊ ዕንወት እዚ ድማ ዋላ’ውን ከምኡ ዓይነት ዕንወት ክመጽእ ከምዝኽእል እንተተመኸረ፣ እንተላይ ብመኽሰብ፣ እቶት፣ ንግዲ፣ ተፈላጥነት፣ መረዳእታ ወይ ካልእ ዘይጭበጥ ክሳራታት ሓዊሱ ካብኡ ንላዕልን ተሓታቲ ኣይከውንን።
    • እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ገደብ ተሓታትነት ብተግባራዊ ሕጊ ብዝተፈቕደሉ ምሉእ ደረጃ ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ ከምዚ ዓይነት ምግላል ኣብ ዝተኸልከለሉ ካብ ምትላል፣ ኮነ ኢልካ ዝፍፀም ዘይግቡእ ተግባር ወይ ዓብዪ ሸለልትነት ዝፍጠር ተሓታትነት ዘግልል ኣይኮነን።
  6. ካሕሳ
    • ተጠቀምቲ (ኣብዚ “ካሕሳ ዝህቡ ወገናት” ተባሂሎም ዝፅውዑ) ንናይ ዲቢኣር(DBR)፡ መኮንናቱ፡ ዳይረክተራት፡ ሰራሕተኛታትን ሓቢሮም ዝሰርሑን (ኣብዚ “ዝከሓሱ ወገናት” ተባሂሎም ዝፅውዑ) ካብ ዝኾነ ይኹንን ዝኾነን ኩሉን ጠለባት፡ ክስታት፡ ዕዳታት፡ ዕንወት፡ ክሳራታት፡ ወፃኢታትን (ናይ ፍርድቤት ጠበቃን ወይ ምስኡ ዝተኣሳሰር ወፃኢታት ሓዊሱ) ካብ (i) ኣጠቓቕማ ናይቲ ፕላትፎርም ወይ ግልጋሎታት (ii) ምጥሓስ ተግባራዊ ሕግታት፡ ስርዓታት፡ ወይ መንግስታዊ ጠለባት ወይ (iii) ምጥሓስ ናይዚ ውዕላት ወይ ምጥሓስ ዝኾነ መሰላትን ካልእን፤ ዝተልዓለ እንተኮይኑ ክኽሕሱ ይሰማምዑ።
    • ናይ ካሕሳ ዝህቡ ወገናት ናይ ካሕሳ ግዴታታት ኣብቶም ካሕሳ ዝወስዱ ወገናት ዝተመርኮሰ እዩ፡
      • ዝኾነ ይኹን ክሲ ወይ ካሕሳ ክኽፈል ዝኽእል ጠለብ ብቕልጡፍ ንካሕሳ ዝህብ ወገን ምሕባር፤
      • ንዝኾነ ከምዚ ዝበለ ክሲ ኣብ ምክልኻል ወይ ምፍታሕ ምስ ካሕሳ ዝህብ ወገን ምሉእ ብምሉእ ምትሕብባር፤ እና
      • እቲ ካሕሳ ዝኸፍል ወገን ብዝግባእን ብፅቡቕ ድሌትን ክሰርሕ እንተኾይኑ፤ ነቲ ናይ ምክልኻልን ምፍታሕን ድርድር ክቆፃፀሮ ምፍቃድ።
    • እዚ ናይ ካሕሳ ዓንቀፅ እቲ ውዕሊ ከይቋረፅ ወይ መዓልቲ ከይሓልፎ ክድሕኖ ይግባእ። ኣብዚ እቶም ካሕሳ ዝወድኡ ወገናት ናይ ምኽሳስ ግዴታታት ኣብዚ ውዕላት ዝተቐመጡ ዝኾነ ይኹን ደረት ተሓታትነት ወይ ምግላል ሳዕቤናዊ ዕንወት ኣየገድዶምን። እዚ ዓንቀፅ እዚ ንዋታዊ ድንጋገ ናይዚ ውዕላት እዩ፣ ክልቲኦም ወገናት ድማ ንኣገዳስነቱ ኣፍልጦ ይህቡን ይሰማምዑን።
  7. ምቁራፅ
    • ዲቢኣር(DBR) ብድሌቱ፡ ምጥሓስ ናይዚ ውዕላት ወይ ምስ ተግባራዊ ሕጊ ወይ ሓለዋ መሰላትን ረብሓታትን ሳልሳይ ወገን ምትእስሳሮም ናይ ምርግጋፅ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን፣ ብዝኾነ ምኽንያት ናይ ፕላትፎርምና ወይ ግልጋሎትና ተጠቃሚነት ናይ ምቁራፅ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
    • ተጠቀምቲ ብዝኾነ ምኽንያት ናብቲ ፕላትፎርምናን ግልጋሎትን ኣገልግሎታትን ተጠቃሚነቶም ምቁራፁ፡ ኣብ ልዕሊ ዲቢኣር(DBR)፣ ሰብ ኣክስዮናቱ፡ ዳይረክተራት፡ ሰራሕተኛታቱ፡ መሻርኽቱ ወይ ዝኾነ ተዛማዲ ኣካል ብዘይ ዝኾነ መሰልን/ወይ ካሕሳን ንብረት ክስእኑ ከም ዝኽእሉ ይኣምኑን ይሰማምዑን።
    • ዲቢኣር(DBR) ውልቀሰባት ዝተኸልከሉ ንጥፈታት ኣብ እናሰርሑ ኣብ ዝተረከብሉ እዋን ብተግባራዊ ሕግታት ከም ዝፈቕዶ መፍትሒታት ናይ ምንዳይን ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ናይ ምሕባር መሰል ኣለዎ።
    • ኣካውንቶም እነተተቋሪፁ ነቲ ፕላትፎርምናን ግልጋሎትን ናይ ምጥቃም መሰሎም ብቀጥታ ደው ይብል።
  8. ኣመሓዳሪ ሕግን ኣፈታትሓ ዘይምርድዳእን
    • እዞም ውዕላት እዚኦም ብሕግን ስርዓታትን ኢትዮጵያ ዝምርሑን ዝትርጎሙን መትከላት ጎንፂ ሕጊ ኣብ ግምት ከየእተዉ እዮም።
    • ዲቢኣር(DBR) ዝኾነ ምስ ተጠቀምቲ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብቕልጡፍን ውፅኢታውን መንገዲ ንምፍታሕ ይፅዕር። ተጠቃሚ ጥርዓን ከቕርብ እንተደልዩ በይዘኦም ብ support@exscape.et ይርኸቡና።
    • ካብዚ ውዕልታት ዝፍጠር ወይ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ዝኾነ ይኹን ክርክር ኣብ ትሕቲ ናይ ኣብያተ ፍርዲ ኢትዮጵያ ይረአ። ነዚ ውዕላት ብምስምዕማዖም፡ ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ክሲ ወይ ችሎት ክርክር ናይ ምስታፍ መሰሎም ይድገፍ። ኩሉ ጠለባት ብውልቃዊ ዓቕሞም ክቐርብ ኣለዎ።
  9. ካብ ዓቅሚ ንላዕሊ ዝኮኑ ነገራት

ዲቢኣር(DBR) ብሰንኪ ካብ ቁፅፅርና ወፃኢ ዝኾነ ኩነታት ነዚ ውዕላት ዘይምኽባር ተሓታቲ ኣይከውንን፣ እዚ ድማ መንግስታዊ ተግባራት፣ ተግባራት ግብረሽበራ፣ ኲናት፣ ባርዕ ሓዊ፣ ምዝንባዕ ኣብ ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒኬሽን ወይ ኢንተርነት፣ ጉዳይ ኣቅረብቲ ኔትወርክ፣ ምብልሻው ሶፍትዌር፣ ናይ ኔትወርክ መሰናክል፣ ምጥላፍ፣ መጥቃዕቲ ናይ ናይ ሰራሕተኛ ባእሲ፣ ሓደጋታት፣ ብሲቪላዊ ወይ ወተሃደራዊ ኩነታት ምቁራፅን ኣዕናዊ ሓደጋ ሓዊሱ ግን ኣብዚ ጥራይ ዝተሓፀረ ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ ካብ ዓቅሚ ነላዕሊ ዝኮነ ፍጻመ ዲቢኣር(DBR) ከምቲ እዚ ውዕላት ዝጠልቦ ኣብ ምትሕልላፍ ወይ ኣወሃህባ ሓበሬታ ይኹን፡ ኣብ ኣገልግሎታት ንዝፍጠር ዘይቅኑዕነት፡ ጌጋታት፡ ምድንጓያት፡ ምግዳፍ፡ ምዝንባዕ ኣገልግሎት፡ ወይ ምቁራፅ ተሓታቲ ኣይከውንን።

  1. ክብደት ውዕሊ

ዝኾነ ድንጋገ ናይዚ ውዕላት ተግባራዊ ወይ ዘይሕጋዊ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ እቶም ዝተረፉ ድንጋገታት ብሕጊ ብዝተፈቕደሉ ምሉእ ደረጃ ቅኑዓትን ተግባራዊ ዝኾኑን ኮይኖም ይቕፅሉ።

  1. ምሉእ ስምምዕነት

እዚ ውዕሊ እዚ ምስ ኩሎም ፖሊሲታት ዲቢኣር(DBR)ን ካልኦት ተወሳኺ ውዕላትን ብሓባር፡ ኣብ መንጎኦምን ዲቢኣር(DBR)ን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ናይቲ ፕላትፎረምን ግላጋሎቱን ዝምልከት ምሉእ ስምምዕ ይፈጥሩ። ዝኾነ ቅድሚ ሐዚ ዝተገብረ ስምምዓት ወይ ምርድዳእ ብቃል ይኹን ብፅሑፍ በዚ ውዕሊ እዚ ይትካእ።

  1. ኣብ ውዕላት ዝግበር ምምሕያሻት

ዲቢኣር(DBR) ኩሉ ግዜ ፕላትፎረሙን ግልጋሎታቱን ኣብ ምምዕባልን ምምሕያሽን ይነጥፍ እዩ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ድማ ነዚ ውዕላት ብወገኑ ናይ ምምሕያሽ ወይ ናይ ምውሳክ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። ዝኾነ ሓድሽ ሓበሬታ ኣብቲ ፕላትፎርም ክንልጥፎ ኢና፣ እቲ ለውጢ ድማ ምስለጠፍና ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ነዚ ውዕላት እዚ በብእዋኑ ንዝመጽእ ሓድሽ ሓበሬታ ክምርምሩ ሓላፍነቶም እዩ። ድሕሪ ለውጢ ነቲ ፕላትፎርምን ግልጋሎታቱን ምጥቃም እንተቀፂሎም ነቲ ዝተመሓየሸ ውዕሊ ከም ዝተቐበልዎ የመልክት።

  1. በዚ ኣድራሻ ይርከቡና

ብዛዕባ እዚ ውዕሊ ዝኾነ ሕቶ ወይ ስክፍታ እንተሃለዩዎም ብsupport@exscape.et. ይርከቡ